Denne artikkelen er over 1 år gammel og kan innehold utdatert informasjon

ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ Aukra kulturskole ንዅሉ (Tigrinja)

ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ Aukra kulturskole ንዅሉ

ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ንዅሎም ብዛዕባ ስነ-ጥበብን ባህልን ዝያዳ ክመሃሩ ዝደልዩ ቆልዑን መንእሰያትን ክመሃሩሉን ንጥፈታት ከካይዱሉ ዝኽእሉሉን ዕድል እዩ። ገለ ካብቲ ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ክመሃሩዎ ዝኽእሉ ድማ ሳዕስዒት፡ምድራፍ፡ መሳርሒታት ሙዚቃ ምጽዋት፡ ምጽሓፍ፡ ትያትር/ተውስኦ ምስራሕ፡ ምስኣል፡ ስነ-ቅርጺ ወይ ፊልምታት ምድላው እዩ። ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዱ ብዙሓት ቆልዑን መንእሰያትን ሓደስቲ መሓዙት ይረኽቡ፡ ከምኡ’ውን ምስ ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ማሕብረተሰብኣዊ ርክብ የስተማቕሩ።

ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ብቑዓትን ሰብ ሞያ ዝኾኑ መምሃራን እዮም ዘለዉ። ተማሃሮ ምስ ካልኦት ቆልዑን መንእሰያትን ብጉጅለታት ክመሃሩ ወይ ድማ በብውልቆም ክመሃሩ ይኽእሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ምፍዳስ ቤት-ትምህርቲ ዘሎ ግዜ እዩ እቲ ስልጠና ዝካየድ።

 

ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ክሳተፉ ዝኽእሉ መን እዮም፧

ኩሎም ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስነ-ጥበብ ንጀማሮ ኮነ ንገዳይም ስልጠና ይህብ እዩ። ልዕሊ 18 ዝዕድሚኦም ኣባጽሕ’ውን ክኣትዉ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

 

ክንደይ እዩ ዝኽፈሎ

ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ንኽትመሃር ገንዘብ ይሓትት እዩ።  ብዝጎደለ ዋጋ ወይ ብነጻ ትምህርቲ ዝህባ ገለ ምምሕዳራት/ኮሙነታት ኣለዋ። ብዙሓት ባህላዊ ቤት-ትምህርቲታት መሳርሒታት የለቅሓ እየን። ብዛዕባ ወጻኢታት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ን  Malin Solberg, Tlf 71 17 14 95.

ተወከሱ። 

 

ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ንምእታው ከመይ ጌርካ ኢኻ ተመልክት፧

ንስኻ ወይ ውላድካ ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ንምእታው ከተመልክቱ እንተደሊኹም  ን Malin Solberg, Tlf 71 17 14 95.

ተወከሱ። 

Kontaktinformasjon

Malin Solberg
Rektor
E-post
Mobil 93 26 66 09