ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ Aukra kulturskole ንዅሉ (Tigrinja)ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ Aukra kulturskole ንዅሉባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ንዅሎም ብዛዕባ ስነ-ጥበብን ባህልን ዝያዳ ክመሃሩ ዝደልዩ ቆልዑን መንእሰያትን ክመሃሩሉን ንጥፈታት ከካይዱሉ ዝኽእሉሉን ዕድል እዩ። ገለ ካብቲ ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ክመሃሩዎ ዝኽእሉ ድማ ሳዕስዒት፡ምድራፍ፡ መሳርሒታት ሙዚቃ ምጽዋት፡ ምጽሓፍ፡ ትያትር/ተውስኦ ምስራሕ፡ ምስኣል፡ ስነ-ቅርጺ ወይ ፊልምታት ምድላው እዩ። ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዱ ብዙሓት ቆልዑን መንእሰያትን ሓደስቲ መሓዙት ይረኽቡ፡ ከምኡ’ውን ምስ ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ማሕብረተሰብኣዊ ርክብ የስተማቕሩ።ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ብቑዓትን ሰብ ሞያ ዝኾኑ መምሃራን እዮም ዘለዉ። ተማሃሮ ምስ ካልኦት ቆልዑን መንእሰያትን ብጉጅለታት ክመሃሩ ወይ ድማ በብውልቆም ክመሃሩ ይኽእሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ምፍዳስ ቤት-ትምህርቲ ዘሎ ግዜ እዩ እቲ ስልጠና ዝካየድ። ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ክሳተፉ ዝኽእሉ መን እዮም፧ኩሎም ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስነ-ጥበብ ንጀማሮ ኮነ ንገዳይም ስልጠና ይህብ እዩ። ልዕሊ 18 ዝዕድሚኦም ኣባጽሕ’ውን ክኣትዉ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ክንደይ እዩ ዝኽፈሎ፧ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ንኽትመሃር ገንዘብ ይሓትት እዩ። ብዝጎደለ ዋጋ ወይ ብነጻ ትምህርቲ ዝህባ ገለ ምምሕዳራት/ኮሙነታት ኣለዋ። ብዙሓት ባህላዊ ቤት-ትምህርቲታት መሳርሒታት የለቅሓ እየን። ብዛዕባ ወጻኢታት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ን Rakel Hoem Rinde, 91353876ተወከሱ። ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ንምእታው ከመይ ጌርካ ኢኻ ተመልክት፧ንስኻ ወይ ውላድካ ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ንምእታው ከተመልክቱ እንተደሊኹም ን Rakel Hoem Rinde, tlf 91353876.ተወከሱ። Sist endra 02.03.2026 09.38